እታ ፍረ ዘይተፍሪ በለስ - ሉቃስ 13:6-9

6 እዚ ምስላዚ ኸኣ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። 7 ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ፡ ኣይረኸብኩላን። ቊረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተበላሹ ኣላ፧ በሎ። 8 ንሱ ግና፡ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዂስኲሳ፡ ድኹዒ ኽሳዕ ዝድኲዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። 9 ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ።