ዓሰርተ መኽሊት ወይ ገንዘብ ወርቂ - ማቴዎስ 25:14-30

14 መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። 15 ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ። 16 እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኡ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። 17 እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። 18 እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዂዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። 19 ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጻባጸበ። 20 እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። 21 እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። 22 እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። 23 ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። 24 እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ 25 ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። 26 እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸ ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ ኣሎኻ። 27 እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ኽትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ። ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። 28 ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። 29 ንዘለዎ ዘበለ ዂሉ ይውሀቦ ይውሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። 30 ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።