እቲ ፈሪሳዊን እቲ ተጋዊን - ሉቃስ 18:9-14

9 ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፡ 10 ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። 11 ፡ 12 እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ ኣሎኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ኸምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። 13 እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፡ ኣምላኸይ፡ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። 14 ርእሱ ልዕል ዜብል ኲሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጻዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም ኣሎኹ።