እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን - ሉቃስ 16:19-31

19 ቀይሕ ክዳንን ክቡር በፍታን ዚኽደን፡ ኲሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። 20 ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን ብቚስሊ ተወሩሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። 21 - ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቊስሉ ይልሕሱ ነበሩ። 22 ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቚፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። 23 ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቚፉ ረኣዮ። 24 ጸዊዑ ኸኣ፡ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ ኣሎኹ እሞ ምሐረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። 25 ኣብርሃም ግና፡ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። 26 ምስናይ እዚ ዂሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ ኣሎ፡ በሎ። 27 ፡ 28 ሽዑ ንሱ፡ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። 29 ኣብርሃም ድማ፡ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። 30 ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በለ። 31 ንሱ ድማ፡ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።