ቩልካን

ግብራዊ ስጉምቲ እንወስደላ ቅንዕቲ ጊዜ

ጥንታዊ ስነ ሓሳባዊ ዛንታታት ግሪኽን ሮማን፡ ኣብ ፍልስፍናታት ግሪኻውያንን ሮማውያንን ዝተመርኮሰ ኢዩ። እዞም ግዝኣታት ኣብ እዋኖም ኣዚዮም ስሉጡናት ከም ዝነበሩውን ታሪኽ ምስክር ኢዩ። ካብ ዕሙቐት ኣተሓሳስባ እዞም ህዝብታት ብዙሕ ንመሃሮ ነገር ኣሎ። እዚ ስዒቡ ዘሎ ስነ ሓሳባዊ ዛንታ ካብኡ ሓደ ኢዩ።

እዚ ልብኻ ዝሰብር ዛንታ፡ ኣብ ቩልካን ወዲ ጁፒተርን ጁኖን ዘድሃበ ኢዩ። ቩልካን ካብ ኣቦኡ ምስ ኣዲኡ ጁኖ ቅርበት ነበሮ። ጁፒተር ነዲኡ ብሕማቕ ይሕዛን ንኻልኦት ኣንስቲ እናጠመተ የሕስራን ስለ ዝነበረ'ውን፡ ዝያዳ ናብኣ ከም ዝጽጋዕ ገበሮ። ጁፒተር ሸለል ኣብ ዝብላ እዋን፡ ቩልካን ነዲኡ ብዙሕ ከይትጉሂን ከይስመዓን ክብል፡ ፍልይ ብዝበለ ፍቕሪ ይከናኸና ነበረ።

ሓደ መዓልቲ ጁኖ ቅንኣ ክትቖጻጸር ስለ ዘይከኣለት፡ ሕርቓና በጨቕ ኣበለት፡ ብሰንኪ'ዚ ጁፒተር ክቐጽዓ ወሰነ። ብወርቂ ሰንሰለት ኣትሪሩ ብምእሳር፡ ካብ ሰማይ ወጻኢ ጠልጠል ኣበላ። ቩልካን ኣዲኡ ክትሳቐ ርእዩ ኣዚዩ ተጨነቐ። ነቲ ሰንሰለት ብኢዱ ዓትዒቱ ብምሓዝ ከኣ፡ ብዘለዎ ሓይሊ ተጠቒሙ፡ ነዲኡ ናብ ሰማይ ገጻ ክስሕባ ጀመረ። ሓራ ከውጽኣ ቁሩብ ምስ ተረፎ ግና፡ ጁፒተር ሃንደበት ተቐልቀለ። ወደይ ስለ ምንታይ ኣብ ጉዳይ ሰብ ሓዳር ጦብሎቕ ይብል? ብምባል ድማ፡ ብኹራ ነደደ፣ ንቩልካን ሓፍ ኣቢሉውን ካብ ሰማይ ወጻኢ ደርበዮ።

ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ዘሎ ርሕቐት ኣዚዩ ነዊሕ ብምንባሩ፡ ቩልካን ናብ መሬት ክወድቕ ምሉእ መዓልትን ለይትን ወሰደሉ። ኣብ መሬት ኣብ ዝዓለበሉ ከኣ፡ ሓደ እግሩ ተጎድአ። ምሉእ ዘመኑውን ከም ዝሕንክስ ኮነ።

ይኹንምበር እቲ መጉዳእቲ እግሩ፡ ክንድ'ቲ ናይ ኣዲኡ ግብረ-መልሲ ጌሩ ኣየሕመሞን። ዋላውን ስለ ድሕነት ወላዲቱ ክብል፡ ናታ ጸግዒ ኾይኑ፡ ንኣይ ይጥዓመኒ ከይበለ፡ ከቢድ ዋጋ ኸፊሉ፡ ዝከኣሎ ኹሉ እንተ ገበረ፡ ንሳ ግና ኣብ መሬት ብደሓን ምብጽሑ ክትፈልጥ ኢላ'ኳ፡ ገለ ግዲ ኣይገበረትን። ብናታ ዘይምግዳስን ዘይምምስጋንን ኣብ ውሽጡ ከቢድ ቃንዛ ተሰምዖ። በዚ ምኽንያት ናብቲ ኣቦኡ ዝነገሰሉ ደብረ ኦሊምፐስ ፍጹም ከይምለስ መሓለ፡ ናብ ደብረ ኢትና ዝተባህለ ቦታውን ንሓዋሩ ብብሕቱ ተፈልዩ ክነብር ጉዕዞ ጀመረ።

ካብዚ ጥንታዊ ሓሳባዊ ዛንታ እንመሃሮ ነገር እንተሎ፡ ደቂ ሰባት ዝያዳ ዘሕምመና፡ እቲ በዳሊ ኣብ ልዕሌና ዝፍጽሞ ግፍዒ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ እቲ ፈታዊና ክገብረልና ዝግብኦ ነገር ምስ ዘይፍጽም ኢዩ። ሎም ቅነ ካብ ኤርትራ ዝመጸ ክቡር ሓው፡ ሓደ ዝፈትዎ ናይ ልቢ ዓርኩ፡ ቀቅድሚ ንመገሻ ምብጋሱ ዝተላበዎ ለበዋ፡ ኣብዚ ምጥቃሱ ኣገዳስነት ዘለዎ ይመስል፥ "እዚ ዓርከይ፡ ሓደራ! ንስኻውን ምስ ከድካ፡ ከምቶም ካልኦት ኣብዚ ዘሎናዮ ሕማቕ ሃላዋት ከይትርስዕ። ኣብ ምልዋጡ ድማ ዝከኣለካ ግበር።" ሓደ ሰብ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ወይ ኣብ ኣገዳሲ እዋን ዝላበዎ ለበዋ ርዝነት ምግንዛብ ጥበብ ኢዩ።

 ስቕታ ይኣክል! 

እግዚኣብሄር ንኤርትራን ንውጹዕ ህዝባን ይዘክር።

ምንጪ፥ Myths of Greece and Rome, H. A. Guerber

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ