ምትእምማን

ሓደ ሰብኣይ ገዚፍ እምባ ክሓኩር ክብል ብርቱዕ ምድላዋት ገበረ። ዓመታት ምስ ተዳለወ ከኣ፡ ናብዚ ሓደገኛ ፍጻመ ተበገሰ። እንተኾነ ግን ኩሉ ውዳሰ ንገዛእ ርእሱ ስለ ዝደለየ በይኑ ክጓዓዝ መረጸ።

ክሓኩር ከኣ ጀመረ፡ ዋላውን መዓልቲ ክጽልምት እንተ ጀመረ፡ ክሳብ ምሸት ጉዕዞኡ ክቕጽል ወሰነ።

እቲ ለይቲ ከቢድ ስለ ዝነበረውን፡ እቲ ከባቢ ብድቕድቕ ጸልማት ተዋሕጠ። ብርሃን ወርሕን ከዋኽብትን ብደበና ተሸፈነ። ኣብ ዙርያኻ ብዓይኒ ዝኾነ ይኹን ነገር ክርአ ኣይከኣልን ነበረ።

ቅድሚ ብዘሰንብድ ፍጥነት ሸተት ኢሉ ንታሕቲ ገጹ ምጽዳፉ፡ ኣብቲ ጫፍ ጎቦ ክበጽሕ ሒደት ሜትሮ ጥራይ ተሪፉዎ ነበረ። ኣብ ዝጸድፈሉውን፡ ገለ ጽላሎት ጥራይ ይርኣዮን ክብደት ስሕበት መሬት ንታሕቲ ገጹ ክጎቶ ይስምኦን ነበረ። ኣብዚ ህሞት ጭንቂ ህይወቱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክትጠፍእ ተራእዮ።

በቃ ሕጅስ ሞትኩ ኣብ ዝበለሉ ከኣ፡ ኣብቲ ወሰን ጎቦ ዝተሸኽለ ምስማር፡ ነቲ ኣብ ሕቖኡ ዝተኣስረ ገመድ ሒዙ ደው ኣበሎ።

ኣብ'ቲ ኣየር ጠልጠል ኢሉ ብዓቕሊ ጽበት፡ "ዎ ኣምላኽ ርድኣኒ!” ብምባል ኣእወየ።

ካብኡ ሃንደበት፡ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ዝብል ትሑት ድምጺ ካብ ሰማይ ሰምዐ።

“ኣድሕነኒ” ብምባል መለሰ።

“ብሓቂ ከድሕነካ ከም ዝኽእል ትእምን ዲኻ?”

“ብርግጽ ይኣምን'የ፡ ጎይታይ።”

“ግርም እምበኣር፡ ነቲ ሒዝካዮ ዘሎኻ ገመድ ብተኮ።”

ድሕር ቁሩብ ስቕታ፡ እቲ ሰብኣይ ነቲ ገመድ ኣብ ሕቖኡ መሊሱ ኣትሪሩ ኣሰሮ።"

እቶም ኣብ እምባታት ህይወት ሰባት ከድሕኑ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት፡ ሓደ ኣብ ሕቖኡ ንዝተኣስረ ገመድ በእዳዉ ኣትሪሩ ዝጨበጠን ካብ ምድሪ ንላዕሊ ፍርቂ ሜትሮ ጥራይ ጠልጠል ዝበለን፡ ብሰንኪ ቀዝሒ ዝሞተ ሰብ ከም ዝረኸቡ ገለጹ።

ምንጪ፥ ዘመናዊ ምሳለታት

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ