ሓጸርቲ ዛንታታት ብቶኒ ካምፖሎ

እንተ ዘይሂብኩም ኣይክጽልን'የ

ወረ ክንደይ ጊዜ ኢና ዘይግበኣና ነገራት ንእግዚኣብሄር ንልምን? መንፈሳዊ ኣቦ ፕረዚደንት ቢል ኪልንተን ዝነበሩ ቀሺ ቶኒ ካምፖሎ ሓደ እዋን ነገልግሎት ሚሲዮን ኣብ ዝምልከት ኣኼባ ክዛረቡ ተዓደሙ። እቶም መራሒ'ቲ ማሕበር ሚሲዮናውያን፡ "እግዚኣብሄር ኣብ ቬንዝዌላ ንዘላ ሚሲዮናዊት ዶክተር ሓፍትና፡ መግዝኢ ሕክምናዊ ናውቲ ዝጠለበቶ 5000 ዶላር ገንዘብ ክልግሰልና ብጸሎት ምርሑና።" በልዎም።

ፓስተር ቶኒ ግና፡ ኣይፋል! በሉ። ንሶም፡ እቶም ተኣኪቦም ዘለዉ ብንዋት በዓል ጸጋታት ምዃኖም ይፈልጡ ነበሩ። ቅድሚ ጸሎት ምግባሮም፡ ፈለማ ኩሎም ኣብኡ ዘለዉ እቲ ኣብቲ እዋን ሒዞሞ ዘለዉ ጥረ ገንዘብ ብፍቓዶም ነቲ ፕሮጀከት ከወፍዩ ኣወጁ። እቶም ኣኼበኛታት ብሕቶኦም ተገረሙ። ይኹንምበር ቀሺ ቶኒ ኣብ ጅባኦም ዘሎ ገንዘብ ኣውጺኦም ኣብ ሳንዱቕ ከንብሩ ምስ ርኣይዎም፡ ይዋዘዩ ከም ዘየለዉ ተረድኦም። ድሕር ቅሩብ ሰጋእ መጋእ ምባል፡ እቶም ኣኼበኛታትውን ከምኡ ክገበሩ ጀመሩ። እቲ ናይ ልማኖ ጸሎት ከኣ ናብ ምስጋና ጸሎት ተለወጠ። ካብቲ መጀመርታ ዝተደለየ ንላዕሊውን ብጠቕላላ ልዕሊ 8000 ዶላር ተዋጽአ።

ቀሺ ቶኒ፡ "እግዚኣብሄር ልዕሊ 8000 ዶላር ሂቡና ከብቅዕ፡ 5000 ዶላር ክንሓቶ ብሓቂ ድፍረት ኢዩ። እግዚኣብሄር ነቲ ድሌትና ኣማሊኡልና ከሎ፡ መሊስና ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ክንልምኖ ኣይግባእን ኢዩ።" በሉ።

ምንጪ፡ Tony Campolo, Let Me Tell You A Story

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ