እቲ ጠዋይ መገዲ

ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ኣብ ሕርሻ እትመሓደር ከተማ ነበረት። ናብታ ዓዲ ኣብ እትመጻሉ፡ እቲ ቀንዲ መገዲ እናጸበበ ኣብ ሓደገኛ መጥወዪ ይበጽሕ ነበረ። ብዙሓት ደቂ'ታ ዓዲ፡ መካይን ክውንኑ ምስ ጀመሩን ምትሕልላፍ መካይን ምስ ወሰኸን ከኣ፡ ሓደጋ ፍሉይ መለለዪ እቲ ጠዋይ መገዲ ኮነ። እቶም ቀሺ'ታ ዓዲ፡ ሰንበት ሰንበት፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣዘውቲሮም ብዛዕባ ግብረ-ሰናይ እቲ ሳምራዊ ዝገልጽ ምሳሌያዊ ትምህርቲ ይሰብኩ ነበሩ። ንሶም፡ እቲ ህዝቢ፡ ስለ እቶም ግዳያት ሓደጋ መኪና ክብል፡ ኣምቡላንስ ብቴሌፎን ብምጽዋዕን ብመኪናኡ ናብ ሆስፒታል ብምውሳድን፡ ዝገብሮ ዘሎ ሰናይ ክርስትያናዊ ተበግሶ ብምዝካር፡ ደጋጊሞም የመጉስዎውን ነበሩ። ካብኡ ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ካብቶም ኣባላት ቤት-ምኽሪ ናይታ ዓዲ፡ እቲ መገዲ ክገፍሕን እቲ ሕማቕ መጥወዪ ክእለይን እማመ ኣቕረበ። ይኹንምበር፡ እቲ ከንቲባ'ታ ዓዲ፡ ልክዕ ኣብቲ መጥወዪ መገዲ፡ ፍርያቱ ዝሸጠሉ ሕርሻ ነበሮ። ኣብኡ ብሉጽ ኮሚደረ፡ ፍራውለን ዝተፈላለየ ኣሕምልትን፡ ዓመታዊ ይፈሪ ነበረ። እቲ ኣባል ቤት-ምኽሪ ከኣ፡ እቶም ቀሺ ብዛዕባ'ዚ ጉዳያ ምስቲ ከንቲባ ክዘራረቡ፡ ጽቡቕ ምዃኑ ርእይቶኡ ሃቦም። እንተኾነ ግን እቶም ቀሺን መብዛሕቱ እቲ ምእምናንን፡ ካብ ፖለቲካ ኣዚና እንተ ርሓቕና ዝሓሸ ኢዩ፡ ኢሎም ደምደሙ። ስለዚ እቶም ቀሺ ኣብታ ዝሰዓበት ሰንበት፡ ሕጂውን ከም እንደገና ብዛዕባ ግብረ-ሰናይ እቲ ሳምራዊ ዝገልጽ ትምህርቲ ድሕሪ ምስባኽ፡ እቶም ሰባት ከም ልሙድ ሓደጋ ኣብ ዘጓንፈሉ፡ ነቶም ግዳያት ሓደጋ መካይን ከልዕልዎምን ናብ ሆስፒታል ክወስድዎምን፡ ምኽሮም ብጽኑዕ ለገሱሎም።

ምንጪ፥ The role of the church in civil society: Some theological orientations by Michael McCabe, SMA

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ