እቲ ቀታሊን እቶም ቀሺን

ፍጹም ይቕረ ዘይበሃል ባርባራዊ ግፍዒ ይህልው'ዶ? ብመሰረት ካምቦዲያዊ ቀሺ ላፔል፡ እቲ መልሲ የሎን፡ ኢዩ። ኣብ 1996 ዓ.ም.፡ ኣብ ምዕራባዊ ካምቦዲያ፡ ኣብ ኣውራጃ ባታምባንግ፡ ኣብ ሳንግኬ ዝተባህለ ዝጨቀወ ሩባ፡ ንሓደ ብመምህር ዝፈልጥዎ ሰብ ኣጠመቕዎ። እዚ ንልዕሊ 20 ዓመት መንነቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ ሰብ፡ ድሒሩ መን ምዃኑ ገለጸ። ስሙ ካንግ ኬክ ይበሃል። እቶም ሰውራዊ ብጾቱ ብዱክ ይፈልጥዎ። ኣብ ስርዓት ኬሜር ሩዥ ሓላፊ ወተሃደራዊ ጸጥታ ዝነበረ ኢዩ። ነስታት 12,000 ሰባት ሞትውን ተሓታቲ ምዃኑ ተኣምነ። ቀሺ ላፔል፡ "መንነቱ ምስ ፈለጥኩ ሰንቢደ፡ ምኽንያቱ ብዙሕ ግፍዕታት ዝፈጸመ ሰብ ኢዩ።" በሉ። ኣቦኦም፡ ኣዴኦም፡ ሓዎም፡ ሓፍቶም፡ ምስ ካልኦት 2 ሚሊዮን ሰባት፡ ብሰንኪ'ቲ ካብ 1975 ክሳብ '79 ዓ.ም. ስርዓት ኬሜር ሩዥ ዝፈጸሞ ኣሰቓቒ ግብረ ራዕዲ ተቐቲሎም ኢዮም። ንሶም፡ "ድሒረ ነቲ ጉዳይ ርግእ ኢለ ምስ ኣስተንተንኩዎ ግና፡ ተደኒቐ፡ ብሓቂ ተኣምር'ዩ። ክርስትና ብርግጽ ህይወት ሰባት ይቕይር ኢዩ። የሱስ ንዱክ ካብ ቀየረ ከኣ፡ ዝኾነ ካልእ ሰብ ክቕይር ይከኣሎ ኢዩ።" በሉ።

ሓላፊ ጸጥታዊ ትካላት ኬሜር ሩዥ ዝነበረ ሰብኣይ ተለዊጡ፡ ዝብል ሓሳብ፡ ሒደት ካምቦዳውያን ይሰማምዑሉ ይኾኑ ኢዮም። መብዛሕቱ ሰብ ነዚ ዜና ምስ ሰምዐ ግና፡ ዱክ ክርስትያን ኮይኑ ዝብል ሓሳብ ብጥርጣረ ርእዩ ነጸጎ። ዱክ መንነቱ ብጋህዲ ድሕሪ ምግላጹ ድማ፡ ኣብ ጥቓ'ቲ ንሱ ዘመሓድሮ ዝነበረ፡ ብቱኦል ስሌንግ (ኤስ-21) ዝፍለጥ ዕሉል ናይ ጸጥታ ቤት-ማእሰርቲ፡ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተኣሲሩ ፍርዱ ከም ዝጽበ ኾነ። ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ኣሽሓት ሰባት ድሕሪ ብዙሕ ስቕያት ተቐቲሎም ኢዮም።

ላፔል፡ ናይ ቤዝቦል ቆቢዕ ደፊኦም፡ ማልያ ተኸዲኖም፡ ሸበጥ ጫማ ወዲዮም፡ ቀሺ ኢልካ ክተለልዮም የጸግም ኢዩ። ቀንዲ መንበሪኦም ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣሜሪካ እንተ ኾነውን፡ ኣብ ካምቦዲያ ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰቦም ናይ ወንጌል ሚሲዮናዊ ስራሕ ክሰርሑ፡ በብእዋኑ ይመላለሱ ነበሩ። ላፔል ምስ ዱክ ኣብ መወዳእታ 1995 ዓ.ም. ኢዮም ተራኺቦም። ዱክ፡ ሃንግ ፒን ብዝብል መጸውኢ ስም፡ ምስ ሓደ ብጻዩ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ዝተዳለወ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ምምሕዳር ዘተኮረ ትምህርቲ ክሳተፍ፡ ኣብ ኣውራጃ ባታምባንግ ኣብ ዝርከብ ናብ ካምካር ሳምሮንግ ዝተባህለ ቦታ መጸ። ኣብ ስደት ዝነበሩ ካምቦዳውያን ዝሰፈሩሉ ቦታ ከኣ ነበረ። ብመሰረት ሓበሬታ ላፔል፡ ፈለማ ዱክ ብዙሕ ዘይዛረብ ንጹል ሰብ ነበረ። ኣማኒውን ኣይነበረን፡ ብብጻዩ ድፍኢት ኢዩ መጺኡ። ይኹንምበር ላፔል ወንጌል ክሰብኩ ምስ ሰምዐ፡ ዱክ ክጥመቕ ሓተተ። ንሶም፡ "ንሱ ህይወቱ ንክርስቶስ ኣሕሊፉ ምስ ሃበ፡ ፍጹም ተለዊጡ፡ 180 ዲግሪ!” በሉ። "ካብ ጽልኢ ናብ ፍቕሪ ተቐዪሩ። ኣብ ህጻንነቱ ብዘይ ፍቕሪ ኢዩ ዓቢዩ። ናብ ክርስቶስ ኣብ ዝመጻሉ ከኣ፡ ልቡ ብፍቕሪ ተመልአ።"

“ዱክ ምስ ሰባት ዘለዎ ቅርበትውን ተቐየረ።” በሉ ላፔል። እቲ ዕባራን ንጹልን ሰብኣይ፡ ክዛነን ምስ ካልእት ተመሃሮ ክጫረቕን ጀመረ። ኣከዳድንኡ ከይተረፈ ኣጸበቐ። ኣብ 1995 ዓ.ም. ተመሃሮ ብሓባር ኣብ ዝተሳእልዎ ስእሊ፡ ዱክ ዘመናዊ ጻዕዳ ማልያን ጸሊም ስረን ተኸዲኑ ይርአ። ኣብቲ ስእሊ ቀሺ ክሪስቶፎር ላፔል ኢዶም ኣብ መንኩብ ዱክ ኣንቢሮም ነበሩ።

ላፔል ንዱክ ኣጸቢቖም ይዝክርዎ ኢዮም። ካብቶም ዝበልሑ ተመሃሮን ብዕድመ ካብ ካልኦት ዝዓበየ ወዲ 54 ን ነበረ። ድሕሪ ምጥማቑ፡ ኣብ እዋን ትምህርቲ፥ ቅድሚት ኮፍ ክብል፡ ደቒቕን ጥንቑቕን መዘኻኸሪ ነጥብታት ክጽሕፍን ሕቶታት ክሓትትን ጀመረ። እቶም ቀሺ፡ ዱክ ናብታ ብስቫይ ቼክ እትፍለጥ ቁሸቱ ተመሊሱ፡ ቤተ-ክርስትያን ክሃንጽ ከም እተሃወኸ፡ ብውዕውዕ ስምዒት ይገልጽ ከም ዝነበረ ይዝክሩ። ድሒር ገለ እዋናትውን 14 ስድራ-ቤት ዝሓዘት ቤተ-ክርስትያን ኣቖመ።

ላፔል፡ ድሕሪ ኢሎም ክዝክሩ፡ ሓቀኛ መንነት ዱክ ዘመላኽት ገለ ነገራት ከም ዝነበረ ይገልጹ። ላፔል እንክዝክሩ፡ ቅድሚ ናብ ክርስቶስ ምምጽኡ፡ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ክፉእ ነገር ከም ዝገበረ ይገልጽ ነበረ። ንሱ በለ፡ “ቀሺ ክሪስቶፈር፡ ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸምኩዎ በደል፡ ይቕረ ዝብሉኒ ኣይመስለንን። በቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝፈጸምኩዎ በደል፡ ብዙሕ ጣዕሳ ይስምዓኒውን ኢዩ።" በለ። ወሲኹውን፡ "እግዚኣብሄር ምሕረት ስለ ዝገበረለይ ግና ብዙሕ የመስግኖ።" በለ። ላፔል'ውን ካብኡ ዝበዝሕ ክዛረብ ኣይሓተትዎን። ንሶም፡ ሰባት ናብ ክርስቶስ ኣብ ዝመርሑሉ እዋን፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወት እቶም ሰባት ጸቒጦም ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ኣብ ሕጂ እዋን ኣብ ዘለዎም እምነት ኣተኲሮም ከም ዘገልግሉዎም ይገልጹ። "ሓጢኣቶም ብልቢ ተኣሚኖም ንክርስቶስ ከም ጎይታን መድሕንን ህይወቶም እንተ ተቐቢሎሞ፡ ኣብ ሕሉፉ እዋን ዝበደሉ እንተ በደሉ፡ ናብ ጎይታ ክመርሖም እየ።" ድማ በሉ።

ላፔል፡ ድሕሪ ዓመት ኣብቲ ካልኣይ ክርስትያናዊ ናይ ምምሕዳር ትምህርቲ ምስ ተራኸቡውን፡ ምስ'ቲ ጸይቀ ዕሉል ዝኾነ ሓላፊ ጸጥታዊ ትካል ኬሜር ሩዥ ይራኸቡ ከም ዘለዉ ኣይፈልጡን ነበሩ። ኣብ'ቲ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቱኦል ስሌንግ ኣብ መንደቕ ዝተሰቐለ ስእሊ ዱክ እንተ ዝጥምቱ ኔሮም ግና፡ ብቐጥታ ምፈለጥዎ ኔሮም። ላፔል፡ ነቲ ናብ ቤት-መዘክር ዝተቐየረ ቤት ማእሰርቲ፡ ብተደጋጋሚ ከይዶም ርእዮሞ ኢዮም። ጓል ሓውቦ/ሓትንኦም ዝኾነት ቀረባ ዘመዶምን ናይ ሳይንስ ፕሮፌሰር ዝነበረትን፡ ኣብኡ ተሳቒያ ተቐቲላ ኢያ። ስእላውን ንታሪኽ ኣብኡ ኣብ መንደቕ ተሰቒሉ ኣሎ። ይኹንምበር፡ ሕጂውን፡ ኣብ ልዕል'ቲ ኣባል ቀታሊ ማሽን እቲ ስርዓት ካሜሩዥ ምንባሩ በይኑ ብዕሊ ዝተናዘዘ ሓደ ሰብ ጽልኢ የብለየን፡ ብምባል ይገልጹ። ንሶም፡ ዱክ ወንጀለኛ ምዃኑ ተኣሚኑ ኣብ ቤት ፍርዲ ደው ክብልን ኣብ ልዕሊ ካልኦት በደለኛታት ክምስክር ቅሩብ ምዃኑን እወንታዊ ተርእዮ ኢዩ። ክርስትያን ምዃኑ ከኣ ሓቀኛ መረጋገጺ ኢዩ፡ ኢሎም ይኣምኑ።

 ላፔል፡ ናብታ ብማይ ዝጨቀወት ንእሽቶ ቁሸት፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከጥምቑ ኣብ ዘምርሑሉ እዋን፡ ናይ ዱክ ምቕያር ንተልእኾ ክርስትና ኣብ ካምቦዲያ ሓጋዚ ኢዩ፡ ብምባል ገለጹ። ካምቦዲያ ዳርጋ ብእምነት ቡዲስት ዝተዓብለለት ሃገር ኮይና፡ 0.5 ሚእታዊት ካብቲ ህዝቢ ጥራይ'ዩ ኣማኒ ክርስትና። እዚ ንህዝቢ ካምቦዲያ ተስፋ ዝህብ ዛንታ ኢዩ። ኣብ ማእከል ጸልማት ነዊሕ እዋን ክጓዓዙ ጸኒሖም ኣለዉ። ገዛእ ርእሶም ንየሱስ ኣሕሊፎም ኣብ ዝህቡሉ ህይወቶም ብርሃን ይረክብ። ካምቦዲያውያን ካብ ጽልኢ ናብ ፍቕሪ ዝምለስሉ ጊዜ ሕጂ ኢዩ። ይኹንምበር ይቕረ በሉኒ ምባል ጥራይ፡ ብዓይኒ ሰብ ከቢድ ሕቶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ምንጪ፥ The Killer and the Pastor, Caroline Gluck, 1999 Time Magazine

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ