እቲ እግሩ ዝደሚ ሃዋርያ

ሳድሁ ሱንዳር ሲንግ – ህንዳዊ ሚሲዮናዊ ክርስቶስ

ሓደ መዓልቲ፡ ኣጋ ምሽተ ኢዩ፡ ኣብ ካንያን ዝተባሃለ ስፍራ ወንጌል ኣብ ዝሰብኸሉ እዋን፡ ንመልእኽቱ ብብርቱዕ ዝቓወሙ ሰባት መመሊሶም ከቋርጽዎ ጀመሩ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ናብ በረኻ ገጹ ክኸይድ ተገደደ። ኣዚዩ ጠሚዩን ሓሲሙዎን ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ገረብ ደቀሰ። ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፡ ገለ ሰብ ተንኪፉዎ ተበራበረ። ተንስዕ'ሞ ብላዕ፡ ዝብል ድምጺውን ሰምዐ። ኣብ ጎድኑ ክልተ ሰባት ዝብላዕ ምግቢን ዝስተ ማይን ሒዞም ደው ኢሎም ነበሩ። ገለ ካብቶም ደቂ'ቲ ቁሸት፡ ኩነታተይ ኣደንጊጹዎም ኢዮም፡ ዝኾኑ ኢሉ ሓሰበ። ኣመስጊኑዎም ምስ በለዐን ምስ ሰተየን ከኣ፡ ክዛረቦም ናብኦም ገጹ ቁሊሕ በለ። ንሳቶም ግና ድሮ ካብ ዓይኒ ተሰዊሮም ነበሩ።

እቲ ኣዚዩ ዘደንቕ ብመገዲ መላእኽቲ ዝረኸቦ ተኣምራታዊ ደገፍ ግና፡ ኣብ ከተማ ራሳ፡ ኣብ ግዝኣት ቲቤት ኢዩ ኣጓኒፉዎ። ኣብኡ ጋሻ ዝኾነ ሃይማኖት ትምህር ኣሎኻ፡ ተባሂሉ ተኣስረ። ኣብ ቅድሚ'ቲ ሓላፊ ጉጅለ ላማ ድማ ቀረበ። ንሱውን ምስ ሞት ዝዳረግ ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊኡ ብይን ኣሕለፈ። እቶም ቲቤታውያን ግና፡ ሃይማኖቶም ሰብ ብኢዶም ክቀትሉ ይኽልክሎም ነበረ። ስለዚ እቲ ፍሩድ ዝቅተለሉ ካልእ ኣገባብ ምሒዞም ነበሩ። እቲ ሓደ መገዲ፡ ነቲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ርሑስ ቆረበት ብዕራይ ኣእቲዮም ይሰፍይዎ'ሞ፡ ኣብ ጸሓይ ይድርብይዎ ነበሩ። እቲ ቆረብት ብዋዒ ስለ ዝጭበጥ ከኣ፡ ነቲ ሰብ ይጭፍልቖ። እቲ ካልእ፡ ነቲ ሰብ ኣብ ንቑጽ ዒላ ይድርብይዎ'ሞ፡ ብላዕሊ ዓጺዮም ኣብኡ ይገድፉዎ፡ ብጽምኢን ጥሜትውን ይመውት። ኣብ ክልቲኡ ኣገባብ ብኢዶም ህይወት ሰብ ስለ ዘየጥፍኡ፡ ሰብ ቀቲልኩም ተባሂሎም፡ ብሕጊ ኣይሕተቱን ማለት ኢዩ።

እቲ ንሱንዳር ዝተወሰነሉ ኣገባብ መቕጻዕቲ፡ ኣብ ዒላ ክድርበ ነበረ። እናጎነጹ ናብኡ ብምውሳድ ድማ፡ ነቲ ሓጺን መኽደን ዒላ ብመፍትሕ ከፈትዎ። ናብቲ ኣዚዩ ነፍስኻ ዘፈንፍን ረሳሕ ዒላ ድማ ደርበዩዎ። ኣብ ታሕታዋይ ክፋል'ቲ ዒላ፡ ፍጹም ክትጻወሮ ዘጸግም፡ ኣዕጽምትን ዝጨኑ ዝመሽመሸ ስጋ ሰባትን ነበረ። ነቲ ሒደት ጩራ ብርሃን ዝኣትዎ ቀዳድ ኸዲኖምውን፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ንበይኑ ገደፉዎ።

እዚ ቅድም ሕጂ ካብ ዘጋጠሞ ጸበባታት ኣዚዩ ዝኸፍአ ነበረ። ምስኡ ዝተጓዓዘ ዝኾነ ይኹን ካልእ ሰብ ኣይነበረን። ኣብቲ ዓዲውን ንዕኡ ዝፈልጥ ሰብ ፍጹም ኣይነበረን። ብኣተሓሳስባ ሰብ እቲ ኩነት ፍጹም ተስፋ ዘቑርጽ ነበረ። ካብ ካልእ ሰብ ሓገዝ ክትረክብ ኢልካ ኣይሕሰብን ኢዩ። ኣብዚ እዋን፡ እቲ ኣብ እዋን ስደትን መከራን፡ ሓይሊ ዝህቦ ውሽጣዊ ሓጎስ ኣብ ቦታኡ ኣይነበረን።

“ኣምላኸይ ኣምላኸይ ስለምንታይ ሓደግካኒ?” ዝብል፡ የሱስ ኣብ መስቀል እተዛረቦም ቃላት ከኣ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ቅጅል በሉ። ይኹንምበር ከጸናንዕዎ ኣይከኣሉን። እግዚኣብሄር፡ እወ ኣምላኽሲ ስለ ምንታይ ኣብዚ ቦታ ስቕያት በይኑ ገደፎ?

ሰዓታት ሓለፈ። ብልክዕ ክንደይ ከም ዝገበረ ግና ክፈልጥ ኣይከኣለን። ኣብቲ ዒላ ኣብ ዝደርበዩዎ እዋን፡ ኢዱ ተቆጺዩ ነበረ። እንተኾነ ግን እቲ ብኣካል ዝስምዖ ዝነበረ ማሕሰይቲ፡ ምስቲ ነፍሱ ጸቢቡዋ ዘሎ ዝወዳደር ኣይነበረን። ኣብ ዳሕራዋይ እዋን ነቲ ኩነታት ዘኪሩ ክዛረብ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዒላ ክልተ መዓልትን ለይትን ከምዝገበረን ኣብ ሳልሰይቲ ለይቲ ብላዕሊ ድምጺ ከም ዝሰምዐን ይሕብር። እቲ መሸፈኒ ዒላ ተኸፊቱ ድማ፡ ገመድ ናብኡ ገጹ ክመጽእ ተዓዘበ። ንዕኡ ሒዝካ ደይብ፡ ዝብል ድምጺውን ሰምዐ። ነቲ ተረፉ ዘሎ ሓይሉ ተጠቒሙ ከኣ፡ ነቲ ገመድ ብኢዱ ኣትዒቱ ብምሓዝ፡ ብቐስታ ናብ ላዕሊ ገጹ ደየበ። ኣብ ምድሪ ወዲቑውን፡ ጽሩይ ኣየር ከስተንፍስ ጀመረ። ዋላውን ብጥሜትን ብጽምኢን እንተ ማሕመነ፡ ኣካላቱ ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንላዕሊ፡ ጽሩይ ኣየር ብሂጉ ነበረ። ኣብ ዘተንፍሰሉውን ብዘገርም ሓይሉ ክሕደስ ተሰመዖ። እቲ ቃንዛ ኢድውን ገደፎ። ኣብቲ ቦታ ከኣ በይኑ ነበረ። እቲ ዘድሓኖ ሰብ ኣሰሩውን ኣይነበረን።

ኣብታ ስዒባ ዘላ መዓልቲ፡ እቲ ሓላፊ ናይቶም ጉጅለ ላማ፡ እቲ ኣብ ዒላ ጸዲፉ ዝነበረ ሳድሁ ዝተባህለ ሰብ፡ ሕጂውን ወንጌል ኣብ ግዳም ይሰብኽ ከም ዘሎ ተነግሮ። ብኸመይ ከምልጥ ከም ዝኸኣለ ድማ፡ እቲ ሓላፊ ናይቶም ላማ ሓተቶ። ሱንዳርውን እቲ ዘጋጠመ ኩሉ ብዝርዝር ሓበሮ። ፈጺመ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይረኣኹን ከኣ በለ። እቲ ላማ ተቖጢዑ፡ ብነድሪ ገለ ሰብ ነቲ መፍትሕ ናይቲ ዒላ ሰሪቑዎ ኣሎ፡ ብምባል፡ ተፍትሽ ክካይድ ኣዘዘ። ኣብቲ ናቱ ቅናት ምስ ተረኸበ ከኣ፡ ልዕሊ ሰቡ ሰምበደ።

እዚ ኩነታት ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ ኮነ። ሓደ ላዕላዋይ ሓይሊ ብርግጽ ይዓዪ ኣሎ፡ ማለት ኢዩ። ነቲ ሓላፊ ላማ፡ እዚ ነገር ፍጹም ባህ ኣየበሎን። ክቃለሶ ዝኽእል ጉዳይውን ኣይኮነን። ሳድሁ ዳግም ክእሰርውን ኣይኣዘዘን፡ ግና ብቕልጡፍ ነቲ ግዝኣቶም ገዲፉ ክወጽእ ሓበሮ። ሱንዳርውን ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ፡ ነቲ ቦታ ገዲፉ ከደ።

Source: Biography of Sadhu Sundar  http://gloryofhiscross.org/apostle7.htm

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ