ብጸሎት ዝተሃንጸ መናበይ ዘኽታማት

ካብቶም ብእምነት ዝተፈጸሙ፡ ዓበይቲ ነባሪ ቅርስታት ሓደ፡ ኣብ ሰላሳ ኣክር፡ ኣብ ኣሽሌ ዳውን፡ ብሪስቶል፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዝተሃነጸ ዓቢ ገዛ መናበዪ ዘኽታማት ኢዩ። እግዚኣብሄር ነዚ መናበዪ ህጻናት ኣብ ልቢ ጆርጅ ሙለር ከንብር ከሎ፡ ንሱ ኣብ ጁባኡ ክልተ ሽልንግ ጥራይ ነበሮ። እቲ ብዝሒ ዘድሊ ጠለብ ንሰብ ከይሓበረ፡ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ነጊሩ ክጽበ ጀመረ። ካብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ከኣ፡ መህነጺ ገዛ መናበዪ ዘኽታማት ዝውዕል፡ ሓደ ሚሊዮንን ኣርባዕተ ሽሕን ፓውንድ (ኣስታት 7 ሚሊዮን ዶላር) ተሰደደሉ። እዛ ስዒባ ዘላ ኣብቲ መናበዪ ዘኽታማት ዝተፈጸመት ሓቀኛ ዛንታውን፡ ሓይሊ ሓቀኛ እምነት ክንድ ምንታይ ልዑል ምዃኑ ተርእይ ኢያ፥

 ኣላይት እቶም ዘኽታማት፡ "እቶም ቆልዑ ተኸዳዲኖም ናብ ትምህርቲ ክኸዱ ተቐሪቦም ኣለዉ። ይኹንምበር ክበልዕዎ ዝኽእሉ ዝኾነ ይኹን ምግቢ የሎን፡" ብምባል ንጆርጅ ሙለር ሓበረት። ጆርጅውን ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ቆልዑ ናብ መመገቢ ኣዳራሽ ክትወስዶምን ኣብ ናይ ምግቢጣውላ ኮፍ ክተብሎምን ሓተታ። ስለ'ቲ ምግቢ ንእግዚኣብሄር ኣመስጊኑ ድማ ክጽበ ጀመረ። ጆርጅ እግዚኣብሄር ከም ወትሩ ነቶም ቆልዑ ምግቢ ከም ዝቕርበሎም ይፈልጥ ነበረ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ከኣ፡ ሓደ ሰንካቲ ባኒ ማዕጾ ኳሕኰሐ። "ኣቶ ሙለር፡" ድማ በለ፡ "ትማሊ ምሸት ፍጹም ክድቅስ ኣይከኣልኩን። ብክትርድኦ ዘጸግም፡ ሎሚ ንግሆ ባኒ ከም ዘድልየካውን ተረዲአ። ካብ ድቃስ ተንሲአ፡ ሰለስተ ጥምሮ ሰንኪተልካ። እነሀ ከምጽኦ ከኣ እየ።"

ብዙሕ ከይደንጎየ ድማ፡ ዳግም እቲ ማዕጾ ተኳሕኰሐ። እቲ ኣበጻጻሒ ጸባ ነበረ። እቲ ካሮስኡ ኣብ ቅድሚ''ቲ መናበዪ ዘኽታማት ተሴሩ ደው ኢሉ ነበረ። እቲ መንኩርኩር ክሳብ ዝዕረ ከኣ፡ እቲ ጸባ ክበላሽው ነበረ። ስለዚ ንጆርጅ ገለ ጸባ ብናጻ ክወስድ ሓተቶ። እቲ ኣበጻጻሒ ጸባ ዓሰርተ ገዘፍቲ መትሓዚ ጸባ ታኒካታት ጌሩ ኣብ ዝማልኣሉውን፡ ጆርጅ ጠሚቱ ፍሽኽ በለ። ነቶም ጸሚኦም ዝጽበዩ ዝነበሩ ሰለስተ ሚእቲ ቆልዑ እኹል ቀረብ ነበረ።

ምንጪ፥http://www.wholesomewords.org/biography/bmuller2.html-http://www.christianity.com/church/church-history/church-history-for-kids/george-mueller-orphanages-built-by-prayer-11634869.html

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ