ዓረብያ-ኢድ

መራሒ ሶቬት ነበር፡ ኒኪታ ክሩሼቭ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሕብረት ሶቬት ዘጋጠመ ግኑን ንኡስ ስርቂ ኣመልኪቱ፡ ብተደጋጋሚ ዘዘንትዎ ሓደ ዛንታ ነበረ። እቶም ሰበ ስልጣን ነዚ ኣሉታዊ ተርእዮ ንምቑጽጻር ክብሉ፡ ኣብ ቀጽሪ ነፍስወከፍ ፋብሪካ ዋርድያ ደው ከብሉ ተገደዱ። ባህርያት እቶም ሰራሕተኛታት ብደቒቕ ዝፈልጥ፡ ኣብ ከተማ ሌኒንግራድ ኣብ ዝርከብ ትካል ሉሕ ዝተመደበ፡ ሓደ ዋርድያ፡ ድማ ነበረ። ኣብታ ቀዳመይቲ ምሸት ከኣ፡ ፕዮተር ፔትሮቪች ዝተባህለ ሰራሕተኛ እቲ ፋብሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ዓረቢያ-ኢድ፡ ገለ ንዓይንኻ ከጠራጥር ዝኽእል ንብረት ዝሓዘ ገዚፍ ክሻ ጽዒኑ ክወጽእ መጸ።

“ግርም እምበር፡ ፔትሮቪች"፡" በለ፡ እቲ ዋርድያ፡ "እንታይ ኢኻ'ዚ ጽዒንካዮ ዘሎኻ?”

“ነዚ ዲኻ፡ እዚ ደኣ ደይ ርሸ (ንፋይ ናይ ዝተጸርበ ሉሕ) ኢዩ።" ብምባል፡ መለሰ ፔትሮቪች።

“ዘይትምሕረና ግዳ፡" በለ እቲ ዋርድያ፡ "ኣይ ትማሊ ዝተወለድኩ ህጻን ዲኻ ሓሲብካኒ። ሓቂ ተዛረብ።" ይኹንምበር ምስ ተፈተሸ እንትርፎ ጽራብ ሉሕ፡ ካልእ ዝኾነ ሕዋስ ነገር ኣይተረኽቦን። ኵሉ ናብቲ ክሻ መሊሱውን፡ ናብ ገዝኡ ክኸይድ ተፈቕደሉ። እዚ ጉዳይ፡ ምሸት ምሸት፡ ሰሙን ምሉእ ምስ ተደጋገመ ከኣ፡ እቲ ዋርድያ በቲ ኵነታት ኣዚዩ ተበሳጨወ። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክፈልጥ'ውን ሃንቀውትኡ ዓበየ።

“ፔትሮቪች፡" በለ፡ "ኣነ ኣጸቢቐ እፈልጠካ እየ። እንታይ ንብረት ካብ'ዚ ተስሉኽ ከምዘሎኻ ጥራይ ንገረኒ'ምበር፡ ኣነስ ክትወጽእ ከፍቕደልካ እየ።"

“እዚ ዓረከይ፡ ዓረብያ-ኢድ ኢዩ፡" በለ ፔትሮቪች፡ "ዓረብያ-ኢድ።"

ምንጪ፥ https://bible.org/illustration/wheelbarrows

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ