ትምህርታዊ ምስላታት ብዲ ኤል ሙዲ

ግብራዊ ስጉምቲ እንወስደላ ቅንዕቲ ጊዜ

ሓደ ሰብኣይ ወርትግ ነገልጋሊኡ ዓቢይ ነገር ከም ዝገብረሉ ይሕብሮ ነበረ። "ኣብቲ ዝጽሕፎ ናይ ውርሲ ለበዋ ክዝክረካ ምዃነይ ፍለጥ።" ከኣ ይብሎ።

እቲ ኣገልጋሊውን ትጽቢቱ ኣዚዩ ኣዕበየ። እቲ ሰብኣይ ምስ ሞተ፡ እቲ ነገልጋሊኡ ዝተላበዎ ውርሲ፡ ኣብቲ ናይ ስድራ-ቤት ቦታ መቓብር ክቕበር ምዃኑ ተፈልጠ። እቲ ዓቢይ ነገር፡ እዚ'ዩ እምበኣር ፍለጡ። እቲ ኣገልጋሊ፡ "ናይ ቀብሪ መሬቱ ወሲዱ፡ ዓሰርተ ዶላር እንተ ዝህበኒ ምሓሸኒ ኔሩ።" በለ።

 

ንሓደ ሰብ ክትሓልየሉ እንተ ደሊኻ፡ ብህይወት ከለኹም ግበረሉ። ሓደ እዋን ሓደ ሰብ ከምዚ ክብል ሰሚዐዮ፡ "ኣነ ምስ ሞትኩ፡ ሰባት እንሀ በል ኣሽትቶ፡ ብምባል፡ ሕቑፊ ዕምባባ እንተ ሰንደውለይ፡ እንታይ ይገብረለይ!"

እቲ ብተግባር ንዓየሉ ጊዜ ሕጂ'ዩ። ዘይጠቅም ነገር እናልዓልካ፡ ብስነ ሃይማኖት ዝግበር ክትዓት ሰልቺዩኒ ኢዩ። ኣቱም ሰባት ንበገስ'ሞ ነቶም ወዲቖም ዘለዉ ነልዕሎም። ናብ ፈጣሪ ገጾም ከም ዝጥምቱውን ንግበር። እቲ ዘድልየና ግብራዊ ክርስትና ኢዩ።

 

ናይ በላዓም ኣድጊ

ብጻየይ ናብ ስኮትላንድ ኣብ ዝምለሰሉ፡ ገለ ካብ ዘመና ፈላስፋታት፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክዘራረቡ ሰምዐ። ሓደ ካብኦምውን፣ "መጽሓፍ ቅዱስ ናይ በላዓም ኣድጊ ተዛረበት፡ ይብል። ጉድ'ኮ ኢዩ፡ ኣነ ናይ ሳይንስ ሰብ እየ፡ ኣፍ ኣድጊ ብዝግባእ መርሚረ ከኣ፡ ፈጺሙ ክዛረብ ከምዘይኽእል ኣረጋጊጸ እየ።" በለ።

እዚ ሰብ፡ ናይ በላዓም ኣድጊ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢያ፡ ብምባል፡ ንብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ክነጽጎ መዲበ ኢዩ።

ብጻየይ ብዙሕ ተጸሚሙ ክጽበ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ በለ፣

“ሕራይ ደሓን፡ ጥራይ ንስኻ ኣድጊ ፍጠር፡ ኣነ ድማ ከም ዝዛረብ ክገብሮ እየ።"

መቸም እቲ ንኣድጊ ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ብመገዲ ኣፍ ኣድጊ ክዛረብ ኣይኽእልን ኢዩ፡ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘገርም ኢዩ! ምስዚ ዝመሳሰል ኣርእስትስ ሰሚዕኩም ትፈልጡ ዶ? እቲ ዝያዳ ዘገርም ግና፡ እዚ ብዘመና ፈላስፋታት ዝተዘርበ ምዃኑ ኢዩ።

እንዳ ሰይጣን

ኣፈ ታሪኽ ኢዩ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ሓደ ሓድሽ ኣማኒ ብሓጢኣት ብምውዳቑ ኣዚዩ ይጉሂ። ስለዚ ንሰይጣን ጸዊዑ፡ ነዚ ዝመስል ገርሂ መንእሰይ ኣብ ኣዕናዊ ነገር ስለ ዝመርሖ ይግስጾ።

"ነቲ ገርሂ ትብሎ መንእሰይ ኣብ ምድረይ ረኺበዮ፡" በለ ሰይጣን፡ "ተማሊኤዮ ከኣ።"

እቲ ጉድኣት ዘይርከቦ መገዲ ካብ ፈተና ፈጺምካ ምርሓቕ ጥራይ ኢዩ።

ወንጌል ብዓይነይ ርኤ

ሓደ ሚሲዮናዊ ንሓደ ቻይናዊ፡ ኣብቲ ቦታ ሚሽን ርእይዎ ሰለ ዘይፈልጥ፡ “ቅድም ሕጂ ወንጌል ሰሚዕካ ዶ ትፈልጥ?" ብምባል ይሓቶ።

ንሱውን፡ "ኣይፋል!” ድሕሪ ምባል፡ "ግና ብዓይነይ ርኤ እየ። ሓደ ነዚ ገዛውቲ ኣዚዩ ዝህውኽ ዝነበረ ሰብ እፈልጥ እየ። ንሱ ሓሺሽ ዘትክኽን ከም ኣራዊት ሓደገኛን ነበረ። ሕጂ ግና ፍጹም ተለዊጡ ኢዩ። ነቲ ሓሺሽ ገዲፉዎ፡ ብባህሪኡውን ለዋህን ሰናይን ኾይኑ ኢዩ።" ብምባል መለሰ።

ቍጥዐ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ

ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ኣብ ክንዲ ገለ ግብረ ሰናያዊ ተግባር ከበርክት ከም እተሓተተ ሰሚዐ። እዚ ቃል ድማ ተነበበሉ፥ "እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ ኢዩ።" ንሱውን፥ እቲ ዋሕስ ዘተኣማምን ኢዩ ኔሩ፡ ግና እቲ ጊዜ ለቃሕ ኣዚዩ ነዊሑ፡ በለ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ድማ ሞተ።

ክነንብቦ ኣየድልን ኢዩ

ብዙሓት ሰባት ክልቲኡ ወገን ክትሰምዕ ኣሎካ ይብሉ፣እንተኾነ ግን ሓደ ሰብ ንሰበይተይ ዘካፍእ ደብዳበ እንተ ዝጽሕፈለይ፡ ከንብቦ ዝግደድ ኣይመስለንን። ቀዲደውን ናብ ንፋስ ምስ በተንክዎ። ክልቲኡ ወገን ክሰምዕ ክብል፡ ኵሎም ብዓለማውያን ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ከንብብ ኣሎኒ ማአት ዲዩ? ነቲ ብደሙ ዝተበጀወኒ ጎይታይን መምህረይን ዘጸልም መጽሓፍ ከንብቦ ኣሎኒ ዶ? ኣማኢት ኣእላፍ ግዜ ኣይፋል ይብል ኣሎኹ። ኣይትንክፎን ከኣ እየ።

ኣብ ካልእ ስፍራ ኣብ እትኸይድ ጀልባ ምድያብ

ኣገልጋሊ ሜቶድሲት ቤተ-ክርስትያን ኢዮም። ምስ ኣሕዋት ኣብ ካምፕ ክራኸቡ ኣብ እተበገሱሉ፡ ብጌጋ ኣብ ካልእ ጀልባ ይድይቡ። ኣብ'ቲ ሕብረት ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ናብ ቅድድም ኣፍራስ ዝካየደሉ ስፍራ ይኸዱ ምህላዎም ይርድኡ። እቶም ከምኦም ተጓዓዘቲ ነንሕድሕዶም ይወራረዱን ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ይዘራረቡን ነበሩ። እቲ ዝነበሩዎ ሃዋህው ምስ ባህሪኦም ፈጺሙ ክሰማማዕ ኣይኸኣለን። እቲ ከባቢኦም ፍጹም ስለ ዘይተቃደዎም ከኣ፡ ነቲ መራሒ ጀልባ ኣብታ ቀዳመይቲ መዕረፊት ቦታ ደው ብምባል ከውርዶም ተማሕጸኑዎ።

ብተመሳሳሊ ናብ ቦታ ቅድድም ክኸይድ ዝተበገሰ ስፖርተኛ፡ ብጌጋ ኣብ ካልእ ጀልባ ይድይብ። ናብ'ቲ ክርስትያናት ዝሓብሩሉ ቦታ የምርሕ ምህላዉ ከኣ ይርዳእ። እቲ ኣብኡ ዝዝረብ ዝነበረ ዘረባ፡ ንኡኡውን ፍጹም ምርዳእ ይኣብዮ። ነቲ መራሒ ጀልባ ከኣ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ መዕረፊት ቦታ ደው ብምባል ከውርዶ ይምሕጸኖ።

ነዞም ክልተ ሰባት ዘጓነፎም ጉዳይ፡ ንዅሉ ሰብ ዝምልከት ኢዩ። ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ደቂ ማሕበሩ ኣብ ዘየለዉሉ ቦታ፡ ኣዚዩ ሕማቕ ስምዒት ይስምዖ። ብተመሳሳሊ ብመንፈስ ዘይተሓደሰ ሰብ፡ ክርስትያናት ጥራይ ኣብ ዝርከቡዎ ስፍራ፡ ፈጺሙ ቅሳነት ኣይስምዖን ኢዩ። መጻኢ ህይወት ሰብ፡ ብመጠን ኣብዚ ዓለም ዝተዳለወሉ ይኸውን። ብመንፈስ እንተ ዘይተሓዲሱ፡ መንግስተ-ሰማይ ኣይክማርኾን ኢዩ። መንግስተ ሰማይ ነቶም ድልዋት ጥራይ ዝተዳለወ ስፍራ ኢዩ።

ምንጪ፥ Moody's Stories Incidents and Illustrations

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ