ነፍሰይሲ ህድእቲ ኣላ

ብሆራሺዮ ስፓፎርድ ናይ ዝተዳለወት፡ "ነፍሰይሲ ህድእቲ ኣላ" ትብል ብልጽቲ ማህሌት ድሕረ ባይታ ዝገልጽ ሓቀኛ ዛንታ

ሆራሺዮ ስፓፎርድ (1828-1888) ዕውት ናይ ሕጊ ትካል ዝነበሮ ሃብታም ኣሜሪካዊ ጠበቓ ነበረ። ብሉጽ ገዛ፡ ጽብቕቲ ሰበይቲ፡ ኣርባዕተ ኣዋልድን ሓደ ወዲን ደቂን ድማ ነበርዎ። ንሱ እሙን ክርስትያንን ትጉህ ተመሃራይ ቃል ኣምላኽን ነበረ። ኣብቲ እዋን ፍሉጣት ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ከም ድዋይት ኤል. ሙዲ፡ ኢራ ሳንኬይን ካልኦትን ኣዕሩኽቱ ነበሩ።

ብመዳይ ፋይናንስን ብሞይኡን ኣብ ጥርዚ ዓወት ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ሆራሺዮን ኣና ሰበይቱን፥ እቲ ኣዚዮም ዘፍቅርዎ መንእሰይ ወዶም ብሞት ተፈልዮም። ብዙሕ ከይደንጎየውን ኣብ ጥቅምቲ 8፡ 1871 ዓ.ም.፡ በቲ ብናይ ቺካጎ ዓቢይ ሓዊ ዝፍለጥ ሓደጋ፡ ስፓርፎርድ ዳርጋ ኵሉ ብወፍሪ ዝዓደጎ ዓበይቲ ገዛውቲ በረሰ። መውኣሉ ዘጥረዮ ንብረትውን ሰኣነ።

ኣብ 1873 ዓ.ም.፡ ስፓርፎርድ፡ ሰበይቱን ኣዋልድ ደቁን፡ ካብ'ቲ ወሪዱወን ዝነበረ ኣዚዩ ዘሕዝን ፍጻሜ፡ ምእንቲ ዘድሊ ሕውየት ክረኽባ፡ ምስኡ ሓቢረን ንዕረፍቲ ናብ ኣውሮጳ ብመርከብ ክጓዓዛ መደበ። ኣብኡ ከሎውን ሙዲን ሳንኬይን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘካይድዎ ናይ ወንጌል ዘመተ ክጽምበሮም ሓሰበ። ይኹንምበር ንሱ ገለ ቁሩብ ዘዳንጉይ ስራሕ ስለ ዝረኸበ፡ ኣብ ከተማ ቺካጎ ተሪፉ፡ ንሰበይቱን ነዋልድ ደቁን ቅድሚኡ ኣበገሰን። ድሕሪ ሓያሎ መዓልትታ ንስድራ-ቤቱ ሒዙ ዝተበገሰ መርከብ ሓደጋ ምግጫው ከም ዘጓነፎ ተሓበሮ። ኣብቲ ሓደጋ ከኣ፡ ኵለን ኣርባዕተ ኣዋልድ ደቁ ጥሒለን ሰበይቱ ጥራይ ተረፈት።

ስፓፎርድ ብኸቢድ ተኪዙ ነታ ኣብ መሪር ሓዘን ዝነበረት ሰበይቱ ኣና ክበጽሓ ናብ ዓዲ እንግሊዝ መርከብ ተሰቒሉ ጕዕዞ ጀመረ። ኣብ'ዚ ጕዕዞ'ዩ ጥቓ'ቲ ኣርባዕተ ኣዋልድ ደቁ ዝጠሓላኦ ስፍራ ምስ በጽሐ፡ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ዉሩይ ቃላት መዝሙር (ማህለት) ዝጸሓፈ፡ "ሓዘን ከም ማዕበለ ባሕሪ እናተገለባበጠ እንተ መጸ፡ ህድእቲ ኣላ፡ ነፍሰይሲ ህድእቲ ኣላ፡ ...”

ሆራሾ ድሕሪ'ዚ ኵሉ መከራውን ካብ ዕዮ ወንጌል ኣይተታረፈን። እኳ ደኣ ናብ የሩሳሌም ብምኻድ፡ ንኣይሁድን ንኣስላማን ብወንጌል ይበጽሖም ነበረ።

እምበኣርከስ እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ሓደ ሰብ፡ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን፡ ማእለያ ዘይብሎም ኣእላፋት ህዝቢ፡ "ነፍሰይሲ ህድእቲ ኣላ ..." እናበሉ ብዓውታ ብምዝማር፡ ተስፋ ዕረፍቲ ይረኽቡሉ ኣለዉ።

ምንጪ፥ http://www.sharefaith.com/guide/Christian-Music/hymns-the-songs-and-the-stories/it-is-well-with-my-soul-the-song-and-the-story.html

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ