ስሰዐ

ሓደ ስሱዕ ሰብን ሓደ ቀናእ ሰብን ምስ ሓደ ንጉስ ተራኸቡ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ "ሓዴኹም ድሌቱ ይሕተተኒ፡ ኣነውን ክህቦ እየ። እዚ ግና እንተ ደኣ ነቲ ካልእ ዕጽፊ ጌረ ክህቦ ዀይነ እየ።" በሎም። እቲ ቀናእ ፈለማ እንተ ሓቲቱ፡ እቲ መካይድቱ ዕጽፊ ክወሃብ ስለ ዝኾነ፡ ኣቐዲሙ ክሓትት ኣይደለየን። ብተመሳሳሊ እቲ ስሱዕ ኵሉ ንገዛእ ርእሱ ጠቕሊሉ ክወስድ ስለ ዝሃረፈ፡ ኣቐዲሙ ክሓትት ኣይደለየን። ይኹንምበር ኣብ መወዳእታ እቲ ስሱዕ ነቲ ቀናእ ኣቐዲሙ ክሓትት ብዙሕ ጸቕጢ ገበረሉ። በዚ መሰረት እቲ ቀናእ እቲ ንጉስ ነታ ሓንቲ ዓይኑ ጐጥጒጡ ክድርብያ ተወከሶ።

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ