ዲትሪች ቦንሆፈር

ዲትሪች ቦንሆፈር፡ ኣብ 1930'ታት ዓ.ም.፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሊን፡ ናይ ስነ-ሃይማኖት ፕሮፌሰር ኮይኑ የገልግል ነበረ። ኣብቲ እዋን፡ ጀርመናውያን ኣመንቲ ክርስትና፡ ኣብ ስነ ሓሳብ ሂትለር ንኽልተ ተመቒሎም ነበሩ። እቲ ሓደ ጉጅለ፡ ምስ ሂትለር ብምሕባር፡ "ጽሩይ" ጀርመናዊ መንነት፡ ዝብል ፍልስፍና ናዚ ክውን ክኸውን ይብህግ ነበረ። እዚ ወገን፡ ብወግዒ ንሂትለር ዝድግፍን ዝኾነ ኣይሁዳዊ ዘርኢ ዘለዎ ሰብ ቦታ ከይወሃቦ ብትሪ ዝኽልክልን፡ ብቤተ-ክርስትያን ጀርመን ዝፍለጥ መስረተ። ቦንሆፈር ግና፡ ምስቶም ሂትለር ንዘምጽኦ ኣንጻር ኣይሁዳውነትን ብጀርመን ጥርኑፋውነት ዝፍለጥ ስነ ሓሳብን ዝቓወሙ ነበረ። ምስ ካልኦት ኣሕዋት ብምትሕብባር ከኣ፡ ምስ ብሳልሳይ ሪች ዝፍለጥ ራእይ ሂትለር ፍጹም ዘይሳነ፡ ብሕቡእ ዝንቐሳቐስ ማሕበር ክርስቶስ ኣቖመ። እዚ ኣዚዩ ሓደገኛ ውሳነ ነበረ። ብሰንኪ'ዚ ቦንሆፈር ኣብ 1937 ዓ.ም. ካብ ስርሑ ተሰጎገ። ናብ ከተማ ለንደን ድማ ኣምለጠ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግና፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ምርጫታት ተዋጠረ። ንሱ ድማ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣዚዩ ፍሉጥ ዝኾነ፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝርከብ ሴሚናሪ፡ ናይ ስነ-ሃይማኖት ፕሮፌሰር ኮይኑ ክምህር ዝተወሃቦ ፍሉይ መጸዋዕታ ክቕበል፡ ወይ ኣብ ሃገር ጀርመን ተመሊሱ፡ ነቶም ምስ ፍልስፍና ሂትለር ዘይቃደዉ፡ ኣባላት'ቲ ብሕቡእ ዝንቐሳቐስ ማሕበር ክርስትና ጠርኒፉ ክመርሕ ነበር። ንዕኡ ብቐሊሉ ክምችኦ ዝኽእል ኣማራጺ ምውሳድ፡ ንእምነቱ ከንቱ ዝገብር ኾይኑ ተራእዮ። ናብ ሃገረ ጀርመን ድማ ተመልሰ። ኣብኡ ዘስካሕክሕ ኢሰብኣዊ ተግባራት ሂትለር ጥርዚ በጺሑ ጸንሖ። በዚ ምኽንያት ነቲ ብዘይ-ጎነጽ ዝብል መትከሉ ደው ኣቢሉ፡ ንሂትለር ኣብ ምልጋስ ኣብ ዝተገበረ መደብ ተሳትፈ። እቲ ፈተነ ስለ ዝፈሸለ ግና፡ ኣብ 1943 ዓ.ም. ተኣስረ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ፡ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ እሱራት፡ ኣብ ስርዓት ኣምልኾ ክርስትና፡ ብንጥፈት የገልግሎም ነበረ። ኣብ 9 ለካቲት 1945 ዓ.ም. ከኣ፡ ብኣምባገነናዊ ጉጅለ ናዚ ናይ ሞት ስጉምቲ ተወስዶ።

ኣብቲ ኩሉ እዋን፡ ንቦንሆፈር ቀንዲ ዘሕምሞ ዝነበረ ጉዳይ፡ ብኸመይ ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና፡ ንናይ ሂትለር ክፉእን ጨካንን ራእይ፡ ብልቢ ክቕበሉዎን ክድግፉዎን ከም ዝኸኣሉ ነበረ። እቶም ስም ክርስቶስ ዝተሸከሙ፡ ብኸመይ ንክርስቶስ ክኽሕዱዎ ይኽእሉ? ብኸመይ ኣብ ውሽጢ'ቲ ኣይሁዳውያን ኣመንቲ ክርስትና ከይሳተፉዎ ዝኽልክል ቤተ-ክርስትያን ደው ኢሎም ጸሎቶም የዕርጉ? እዚ ንቦንሆፈር ብስም ጥራይ ሃይማኖተኛ ምዃን ኸንቱ ምዃኑ ኣረድኦ። ሓደ ሰብ ዋላውን ብፍቕሪ የሱስ ተቓጺለ እንተ በለ፡ ኣብ መዓልቲ ብተደጋጋሚ ጸሎት እንተ ገበረን ኣብ ሰንበት ብምሉእ ስምዒት እንተ ዘመረን፡ ንሱ ጥራይ ኣዕጋቢ ኣይኮነን፡ ማለት ኢዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ እንኮ መዐቀኒ ደረጃ መንፈሳውነትና፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ከመይ ንነብር ኔርና ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ምሉእ ህይወትና ብኸመይ ንካየድ ነበርና ኢዩ። ኣብ መጨረሽታ ዓቐን ደረጃ መንፈሳውነትና፡ ኣብዛ ዓለም ስለ እወንታዊ ረብሓ ኻልኦት ኣሰብኡት፡ ወይ ኣንስቲ ክንብል ምንባር ኢዩ።

ምንጪ፥ ካብ ዝተፈላለየ ዛንታታት ቦንሆፈር ዝተወስደ

Source: http://storiesforpreaching.com/dietrich-bonhoeffer/

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ