ካብ ኢዜሄራውነት ናብ ዝሄርነት

ግንቦት 15፡ 1950 ዓም ኢዩ፡ ገለ ተመሃሮ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ መንጎ ኢዜሄራውያንን ክርስትያናትን ኣብ ዝግበር ሰሙናዊ ሙጉት ክሳተፉ ተኣኪቦም ነበሩ። እቲ ርክብ ብኣቦ መንበርነት ሲ.ኤስ. ሊዊስ ኣብ ኣዳራሽ ቅድስት ሂልዳ ይካየድ ነበረ። ኣንቶኒ ፍሉው ዝተባህለ መንእሰይ ተማሃራይ ፍልስፍና ንኢዜሄራውነት ወኪሉ መርትዖኡ ኣቕረበ። እቲ ኣርእስቲ መደርኡ፡ "ስነ ሃይማኖትን ፈጠራን" ዝብል ነበረ። እቲ ሓሳብ ብዙሕ ሰሓቢውን እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ዓምዲ ፍልስፍና፡ እቲ ዝበዝሕ ሕታም ኮነ። ኣንቶኒ ፍሉው እውን ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ካብቶም ቀንዲ መራሕቲ ፈላስፋታት ኢዜሄራውነት ኮነ። ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት፡ ነተሓሳሳብ ኢዜሄራውነት፡ ከምቲ ንሱ ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ዝጸሓፎ፥ ብኽእለት፡ ብዕሙቐት፡ ብመበቆላውን ብጸላዊን ኣገባብ ጌሩ ዘቕረበ ፈላስፋ ከም ዘይነበረ ይግለጽ።

ይኹንምበር ኣብ 2004 ዓ.ም. ፍሉው ሓሳቡ ከም ዝቐየረ ብምግላጽ ንዓለም ኣስደመማ። ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዘጋጠሞ ኣብ መገዲ ደማስቆስ ፍሉይ ራእይ ኣይረኣየን። ንሱ ምስ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ኣየተራኸበን። መርትዖታት ሳይንስን ፍልስፍናን ናብ እግዚኣብሄር ኢዮም ዘመልክቱ ብምባል ጥራይ ከም ዝኣመነ ኣረጋገጸ። "እቲ መጎተ ናብ ዝመርሓኒ እየ ስዒበ።" ድማ በለ፡ "ናብ ህላወ'ቲ ርእሱ ዝኸኣለ፡ ዘይልወጥ፡ ረቒቕ፡ ከኣሊ-ኩሉ፡ ፈላጢ-ኩሉ ዝኾነ ኣካል መርሓኒ።"

ምንጪ፡ Flew, 2009, There is a God

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ