ኩሉ ንሰናይ

እዚ ሓቀኛ ዛንታ ኢዩ። ደቡብ ሱዳን ቅድሚ ሓራ ምውጻኣ፡ ሓይሊ ኣየር ሱዳን፡ ቀጻሊ ኣብ ቁሸታት ደቡብ ሱዳን፡ ብኣንቶኖቫት ደብዳብ የካይድ ነበረ። ሓደ እዋን ተመሃሮ ኣብ ክፍሊ ከለው፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ነፍስኻ ዘርዕድ ድምጺ ሰምዑ። ፊውው ... ዝብል ካብ ሰማይ ዝተሰንደወ ቦምባ ከኣ ነበረ። እቶም ተመሃሮ ከም ወትሩ ብቅጽበት ናብቲ ኣብ ጥቃኦም ዝተዃዓተ ካብ ሓደጋ መዕቆቢ በዓትታት ክሕብኡ ጎየዩ። ካብቶም ቆልዑ ሓደ ናብቲ ኣብ ቀረባ ዝበጽሖ በዓቲ ክኣትው ምስ በለ ግና፡ ገዚፍ ተመን ኣብኡ ተጠቕሊሉ ጸንሖ። ኣብ ኣፍ ተመን ክቐርብ ኣይደፈረን፡ እኳ ደኣ ጊዜ ከየጥፈአ ተጠዊዩ ናብቲ ካልእ በዓቲ ክጎይይ ጀመረ። ይኹንምበር እቲ ቦምባ ኣብ መሬት ክዓልብ ካልኢታት ጥራይ ከም ዝተረፎ ነፍሱ ነገሮ። ስለዚ ኣብቲ ዝበጽሖ ቦታ ኣብ ጎልጎል ብኣፍልቡ ወዲቑ በጥ በለ። ከይደንጎየውን ምድሪ ዘናውጽ ቡም ... ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። እታ ኣየር ምስ ሓለፈት፡ ነቲ ቦምባ ዝወደቐሉ ቦታ ክርእዩ ኣምርሑ። ኣበይ ወዲቑ ትብሉ? እቲ ቦምባ ልክዕ ኣብ ልዕሊ'ቲ ቆልዓ ተመን ዝርኣየሉ በዓቲ ዓሊቡ። ሳላ'ቲ ተመን ኣብኡ ምጽንሑ፡ እቲ ቆልዓ ካብ ሓደጋ ሞት ኣምለጠ። 

እግዚኣብሄር ንጥፍኣትና ዝተሓሰበ፡ ናብ ሰናይ ክቅይሮ ይከኣሎ ኢዩ'ሞ፡ ከም ህዝቢ በቲ ኣጋጢሙና ዘሎ መሪር ተጻብኦ ተስፋ ኣይንቑረጽ!

ምንጪ፥ ትማሊ ሰንበት ካብ ዝሰማዕክዎ ስብከት ዝተወሰደ'ዩ።

እግዚኣብሄር ንኤርትራን ንውጹዕ ህዝባን ይዘክር!

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ