ኣሌክሳንደር ዘ ግሬት

“ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ (ወተሃደር) ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። ዓቀይታይ ናብ ኲናት ከይዱስ፡ ነቲ ዝዓቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዝጠላለፍ የልቦን።" (1 ጢሞቴዎስ 2፡3-4)

ኣብ 331 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣሌክሳንደር ዘ ግሬት ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ህንዲ ገጹ ተበገሰ።ኣሌክሳንደር ኣብቲ እዋን ዝፍለጥ ዝነበረ ክፋል ዓለም ዳርጋ ኵሉ ተቖጻጺሩዎ ነበረ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲኡ ከይገበሮውን ደው ክብል መደበ ኣይነበሮን። ኣሌክሳንደር ሓያል መራሒን ነፍስወከፍ ወተሃደሩ ሳዕቤኑ ብዘየገድስ ክስዕቦ ፍቃደኛን ነበረ።

ኣሌክሳንደር ንዓለም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትው ብርቱዕ ሰራዊት እንተ ነበሮ'ኳ፡ ኣብ ሓንቲ ዕርድቲ ከተማ ሒደት ሰራዊት ሒዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ገለ ተጻብዖ ኣጓነፎ። ኣብታ ከተማ ኣብ እተጸጋዓሉውን፡ ናብቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዕርዲ መንደቕ ብትብዓት ደው ኢሉ ናብ ዘሎ ንጉስ ኣተኲሩ እናጠመተ፡ ዓው ኢሉ፡ "ስመይ ኣሌክሳንደር ዘ ግሬት ይበሃል። ብቕልጡፍ ኢድካ ክትህብ ድማ ይሕብረካ!” በሎ። እቲ ንጉስውን ብዓሽካዕላል እናሰሓቐ፡ "ስለ ምንታይ ኢድና ንዓኻ ንህብ?” ብምባል ሓተቶ። ብምቕጻልውን ብቑጽሪ ንሰራዊት ኣሌክሳንደር ከም ዝተዓጻጸፉዎን ንድሕነት ከተማኦም ክከላኸሉ ድልዋት ምዃኖም ገለጸ።

ኣብዚ እዋን ኣሌክሳንደር ከም ግብረ መልሲ፡ ን100 ምሩጻት ወተሃደራቱ ጸዊዑ ናብ ጸድፊ ገጾም ትኽ ኢሎም ክስርኡ ኣዘዞም። ነፍስወከፎም ብዘይ ገለ ምውልዋል ከምቲ መራሒኦም ዝኣዘዞም ገበሩ። ካብኡ ኣሌክሳንደር ክብገሱ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ሓደ ብሓደ ኸኣ፡ ናብቲ ደንደስ ጸድፊ ገጾም ክምርሹ ጀመሩ። እቲ ቀዳማይ ናብ ቁልቁል ገጹ ናብ ሞቱ ጸደፈ፡ ከምኡውን እቲ ካልኣይ፡ እቲ ሳልሳይ፡ እቲ ራብዓይ፡ ክሳብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዘሎ ከምኡ ገበሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣሌክሳንደር "ደው በል!” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላለፉ፡ ናብ'ቲ እቶም ወተሃደራት ንኣሌክሳንደር ብዘርኣይዎ ተኣዛዝነት ብኣድናቆት ፈዚዙ ናብ ዝነበረ ንጉስ ገጹ ጠመተ። ንሱውን ብቕጽበት ኢዱ ሃበ። ኣሌክሳንደር ድማ፡ ኣብቲ ጊዜ'ቲ ንዝነበረ ስልጡን ዓለም ክቖጻጸር ጉዕዞኡ ቀጸለ።

ምንጪ፥ James S. Hewett, Illustrations Unlimited (Wheaton: Tyndale House Publishers, Inc, 1988) pp. 102-103.

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ